እንታይ ማለት ዩ?

ምኽንሻብ ደቀ ኣንስትዮ (ም.ደ.ኣ ) ማለት ንዅሎም ዓይነት ምስዳድ ወይ ምኽላእ ብከፊል ከምኡ ውን ሙሉእ ደጋዊ ብልዕቲ ጋልአንስተይቲ ከምኡ እውን ዝዀነ ዓይነት አብ ደጋዊ ብልዕቲ ጓልአንስተይቲ ዝግበር ምትዕርራያት ከም ምስፋይ ክኸውን ከሎ ጠንቁ  ድማ ባህላዊ ወይ ዘይሕክምናዊ ምኽንያታት ክኸውን ይኽእል።

ም.ደ.ኣ ኣዝዩ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ናይ እኹላት ኣንስቲ, ጎራዙ ከምኡ ውን ሕጻናት እዩ። ም.ደ.ኣ ብኸፊል ምእላይ ናይ ሓደ ጥዑይ ክፍሊ ኣካላት (ቅንጢር) ከምኡ ውን ኣብ ገለ እዋናት ድማ ከናፍር ርሕሚ የጠቓልል።  ምስፋይ ሓደ ካብ ዝኸፍአ  ይነት ናይ ምኽንሻብ ኣጋጣሚታት ኮይኑ እቲ

ብዓቢ ከናፍር ዝፍለጥ ኣፍደገ ርሕሚ ዝርከብ ክፍለ ኣካላት ተጨዲዱ ይስፈሞ ከም ዝሓዊ ይግበር። እዚ ድማ ን ኣፍደገ ርሕሚ ኣዝዩ ኣጽቢቡ ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ወይውን ሕርሲ ከበድቲ ሳዕቤናት የኸትል። ዋላ ውን ኣብቲ ዝፈኾሰ ኣጋጣሚታት ( ምውጋእ ናይ ቅንጢር ን ከናፍር  ርሕሚን ንኣብነት ኣብ ግዜ ምስቛር, ምውጋእ, ምልሕጻጽ ወይ ውን ምትኳስ) ጥዑይን ኣዝዩ ስምዒታዊ ዝኾነ ክፍለ ኣካላት ይህሰ። ብኣንጻሩ ኣብ ደቒ ተባዕትዮ ብዘይካ ቖርበት ዝኾነ ኣይነት ጅማውቲ ወይውን ክፍለኣካላት ኣይትንከፉን።

 

ሳዕቤናት ም.ደ.ኣ ኣብ ጥዕና

ኣካላዊ ጸገማት

  • ወርሐዊ ጽግያት ቃንዛ
  • ቃንዛን ሽግራትን ኣብ ግዜ ምሻን
  • ቃንዛ ወይውን ዘይምኽኣል ጾታዊ ርክብ
  • በሰላ ርሕሚ
  • ምሽጋር ቃንዛ ኣብ መርመራ ርሕሚ
  • ጽበት ( ሕጽረት ርሕሚ )
  • ሕጽረት ወይውን ምጉዳል ስምዒት ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ
  • ጸገማት ኣብ እዋን ሕርሲ፡ ሳዕቤን ሕርሲ ብመጥባሕቲ፡ ዘይእዋናዊ  ሕርሲ
  • ሓደጋ ናይ ከቢድ መድመይቲ ከምኡውን ሞት ድሕሪ ሕርሲ ብሰንኪ ምኽንሻብ ዘስዓቦ ሃስያታት

ጸገማት ስነ ኣእምሮን ዝምድናታትን

  • ጽልኣት
  • ቅዛነት
  • ወጥሪ (ጭንቀት )
  • ድሕሪ ኣሰንባዲ ኩነት ዝፍጠር ኣእምሮኣዊ ነውጺ
  • ካልኦት ስነኣእምሮኣዊ ጸገማት ( ንኣብነት ፍርሒ ,ዘይምትእምማን, ሕርቃን, ናብ ኣባላት ስድራ       ቤትካ, ነብሰ ሃሳይ ጠባያት, ተኽእሎ ጥንሲ ዝዓግት ኣእምሮ ኣካላዊ ሕማም)

ኣበይ ይዝውተርን ስለምንታይን'ከ?

ም.ደ.ኣ ኣብ 28 ትሕቲ ሳሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ኣብ ኦማን፡የመን፡ ኢንዶነዥያን ብሰፊሑ ይርአ (ካርታ ዐለም ተመልከታ)።

ም.ደ.ኣ ዘጋጠመን ወይ ብሕጂ ከጋጥመን ዝኽእል ኣንስትን,ጎርዞታትን ኣብ ሙሉእ ዓለም ኣውሮጳን,ጥልያንን ሓዊስካ ይርከባ።

ኣብ ም.ደ.ኣ ልሙድ ዝኾነ'ለን ሕብረተ-ሰባት ዘይተኸንሽበት ጓል ሓዳር ጌራ፡ውላድ ወሊዳ ከቢራ ክትነብር ከምዘይትኽእል ይእመን። ምቑራጽ ቅንጢር ንሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ ካብ ኣዝዩ ልዑል ሸውሃት ጾታዊ-ርክብ ብሙግዳል ንሱ ካብ ዘስዕቦ ኣሉታዊ ሳዕቤናት የድሕና ዝብል እምነት ኣሎ።ዋላ'ኳ  እዚ ልምዲ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃን ብዙሓት ስደተኛታት ዝቕበላ ሃገራት ከም ኢጣልያ ብሕጊ ኩልኩል እንተኾነ ም.ደ.ኣ ብሰፊሑ ክቅጽል ይርአ'ዩ ጠንቅታቱ ድማ ብብዙሓት ተሓላለኹ ሃይማኖታውያንን ባህላውያን ረቛሒታት ስለዝድገፍን ብዓቢኡ ድማ ኣብ'ቲ ሕብረተ-ሰብ ውሽጢ ንረብሓ ደቅ-ኣንስትዮ እዩ ዝብል እምንቶ ስለ ዘሎን'ዩ።

ነዚ ሓደጋ ንምግጣሙ እምበኣር ነዞም ዝጸንሑ ነባራት እምነታት ምፍታሾም ከድሊ እዩ፡ምኽንያቱ ዘይተኸንሸባ ደቅ-ኣንስትዮ ተመርዕየን ጥዑያት ቖልዑ ክወልዳ ጥራይ ዘይኮን ምስ መጻምደን ዝሓሸ ፍቕርን, ምክብባርን ዝመልኦ ሓዳር ክገብራ ይኽእላ እየን። ካብ ዝኾነ ኣካላዊ ጸገምን ስነ- ኣእምራዊ ስንባደ  ነጻ ዝኾነት ጓል-ኣንስተይቲ ከኣ ተማሂራ ናብ ስራሕ ዓለም ኣትያ ንቑጠባ ስድራቤታ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ከተበርክት ትኽዕል'ያ።

ምኽንሻብ ደቅ-ኣንስትዮን ኣህጉራዊ ድሕነትን

በዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ምኽኒታት ልምዲ ምኽን .ደ.ኣ  ብ UNHCR ናይ UN ላዕለዋይ ልኡኽ ስደተኛታት ከም ሞት ወይ  HYPERLINK "http://www.apple.com/it/"ተናውሐ ስቓይ ከውርድ ዝኽእል ገበን ኣንጻር ደቅ-ኣንስትዮ ስለ ዝተፈለጠ ኣህጉራዊ ድሕነት ወይ ዑቕባ የውህብ'።

ከምኡ'ውን ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዋዕላ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ደቅ-ኣንስትዮ ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጽ 18 ነሓሰ 2015 ቑጽሪ 142 ትግባረ ናይ  EU " መቐበሊ" መምርሒታት (Dir. 2013/33/UE) ከምኡ'ውን "መስርሓት" ( Dir. 2013/32/ EU) ከም ዝሕብርዎ ዝተኸንሸባ  ኣብ ሓደጋ ምኽንሻብ ዝርከባ ደቅ-ኣንስትዮ ኣህጉራዊ ድሕነት ወይ ዑቕባ ይግብአን።

ኣብ ጉዳይ ጎራዙን ህጻናትን ናይ ዑቕባ መሰል ነቶም ወለዲ ወይ'ውን ሞግዚት ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ዘላ ጎርዞ ወይ'ውን ህጻን ይምልከቶም እዩ።

ኣንጻር እዚ ብ ም.ደ.ኣ ዝፍለጥ ልምዲ ዝንቀሳቀሱ ተጣበቕቲ'ውን ካብ ተኸተልቲ  ልምዲ ሓደጋ ይወርዶም'ዩ።

ም.ደ.ኣ ብሕጊ ጥልያን ካብ 4 ስጋብ 12  ዓመት ማእሰርቲ የፍርድ'ዩ ( ዓንቀጽ 538 ሕጊ በደል ኮድ)

ሓገዝ, ሓልዮት, ድጋፍ ኣበይ ክረክብ ይኽእል ?

*  ኣብ ዓዲ ጥልያን ሓገዝ ሕክምናን፡ጥዕናን ንምርካብ ናብ ኣማኸርቲ ጥዕና, መደበራት ቀዳማይ ረዳኤት  ኮንስልቶርዮ  ሐኪክምን ከምኡ'ውን ሆስፒታላት ብምኻድ ክርከብ ይከኣል። እዞም ሓገዛት ብዘይ ዝኾነ ወጻኢታት ይወሃቡ ዋላ  ወረቐት መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ብፍላይ ንደቅ-ኣንስትዮ ድማ። ም.ደ.ኣ ኣዝዩ ከቢድ ሃስያን ከቢድ ሳዕቤን ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ስለ ዘውርድ ሃገራዊ ናይ ጥዕና ትካላት ነተን ማህሰይቲ ዝወረደን ሰባት ናይ ምእላይ ግዴታ ኣለወን።

*ንድሕነትን ደገፍን  ኣብ ኢጣልያ ብሰንኪ ም.ደ .ኣ ምስ ኣብ ከባቢኹም ዝርከቡ ማእከላት ጸረ ገበን ክትዘራረቡ ትኽእሉ ። ኣብ ማእከላት ጸረ ገበን ክትረኽብዎም እትኽእሉ ሓገዛት

  • ንመሰላትካ ንኽትፈልጥ ሓገዝ
  • ምኽርን ነጻ ሕጋዊ ምኽርታትን
  • ምሕታት ኣህጉራዊ ዑቕባ ምሳኻ ወይ ኣብ ትሕቴኻ ዘላ ጓል

ሰበይቲ ጎርዞ ወይ ህጻን ዳግማይ ናብ ልምዲ ምኽንሻብ ዘለዎ ቦታ ወይ ሕብረተ-ሰብ ንኸይምለሳ ( ኣብ ኢጣልያ ዋላ ቀዲማ ዝተኸንሸበት ሰበይቲ ድሕነት ወይ ዑቕባ ክትሃትት ትኽዕል'ያ ምኽንያቱ ኣብ እዋን ሕርሲ ዳግመ ምኽፋት ርሕሚ የጋጥም'ዩ ኣዝዩ ብዙሕ ደም ይፈስስ ስለዚ ሓገዝ የድልያ።)

ስምዒታዊ፡ ዝምድናዊ፡ ኣእምሮማሕበራዊ፡ ባህላዊ ተቐባልነት

እቶም ኣብ ማእከላት ጸረ ገበናት ዝሰርሑ ኣባላት  ኣዋልድ ተርጎምቲ ብምቕራብ ኒነብስኺ ወይ ንጓልኪ/ካ ዝሓሸ ውሳኔ ካብ ዝኾነ ጽልዋታት, ምፍርራሕ ወይ ቤተሰባዊ ጸቕጥታት ነጻ ኾንካ/ኪ ክትውስኒ ሓገዝ ይገብሩ።ብድሕሪኡ'ውን ሓድሽ ማሕበራዊ ዝምድናታትን ቑጠባዊ ውሕስነት ንምፍጣር ዝሕግዙ ኣገደስቲ ናይ ምትሕንፋጽ መገድታት ኣብ ምንዳይ ይተሓጋገዙ። ምስ ብዙሓት ደቅ- ኣንስትዮ ናይ ምዝርራብ ዕድል'ውን ይርከብ ። ካብቲ ንስኺ ወይ'ውን ጓልኪ/ካ ዝመጸትሉ ሕብረተ-ሰብ ዝመጻን ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢምወን ዑቕባ ዝሓተታን ከኣ እየን።

ዑቕባ ኣብ መጽለሊታት ቤተሰብኪ ወይ ከባቢኺ ንዓኺ ወይ ንጓልኪ ወይ ደቅኺ ብሰንኪ ምኽንሻብ ሓደጋ ክኾኑኺ እንተ ጀሚሮም ዝተፈላለዩ ጉዳያት ስደተኛታት ዝከታተሉ ማሕበራት ኢጣልያ መግቢን መጽለሊን ሐገዝ ይህቡ ኢዮም።